ማሪ ልዊዝ ክሊዚፊስኪ፡ ዝተባህለት ዴኒማርካዊት ሓኪም፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ንኻልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሕማም ኮቪድ-19 ከምተታሕዘት ንመርበባት ሓበሬታ ዴኒማርክ ምርኩስ ብምግባር TT ሓቢሩ።
ኣብ መጀመርያ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ መላእ ሰውነተይ ተሰሚዑኑ ተምላስ ድማ ገይሩለይ። ድሒሩ ድማ ምስትምቓርን ሽታ ምልላይ ዓቕሚ ስኢነ ዕውልውል ምባል ድማ ቀጺሉ ክትብል ማሪ ትሕብር። ኣብ ዕለት 11/04/2020 ድማ ብኮሮና ከምተለኽፈት መርመራ ኣረጋጊጹ።
ካብ ሕማም ተገላጊላ ከም እንደገና ናብ ስራሕ ተመሊሳ ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዕለት 10/07/2020 ድማ ከምእንደገና ንኻልኣይ ግዜ በቲ ሕማም ከምተለኽፈት መርመራ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ክልተ ግዜ ብሕማም ኮቪድ-19 ከምተታሕዘ ሓካይም ምሕባሮም ይዝከር።
ዳግማይ ብሕማም ኮቪድ-19 ናይ ምትሓዝ ተርእዮታት እንተድኣ በዚሑ፡ ንመስርሕ መድሃኒት ክታበት ክጸሉ ከምዝኽልእ ምንጭታት ይሕብሩ።