ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዝተገብረ ቆጸራ ድምጺ ሎሚ መዓልቲ ውጽኢቱ ተነጊሩ። ብመሰረት ሃገራዊ ቆጸራ ድምጺ ሽወደን (SCB) ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት 33.7% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ብምርካቡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዝነበሮ ብዝሒ ድምጺ ብ 8.7% ወሲኹ ከምዘሎ እቲ ዳህሳስ ሓቢሩ።
ህቡብነት ዓቃባዊ ሰልፊ ብ 1.7% ብምውሳኹ 20.1% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ካብቲ ዝነበሮ ህቡብነት ብ 5.6% ብምንቁልቋሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን 17.5% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ብዮናስ ኾስቲድ ዝምራሕ ጸጋማዊ ሰልፊ 8.2% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ 6.4% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ሰልፊ ማእከል ብ1.4% ንድሕሪት ተመሊሱ 6% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ሰልፊ ሓምላይ 4.1% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።
ሊበራላዊ ሰልፊ ድማ 3.3% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ። ምርጫ ፓርላማ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተዝካየድ ነይሩ ሊበራላዊ ሰልፊ በዚ ረኺብዎ ዘሎ ብዝሒ ድምጺ ኣባል ፓርላማ ክኸውን ኣይምኻኣለን።