“ኦ ናይ ሰሜን ሰራሕተኛታት ሕበሩ” ዝብል ቴማ ዘለዎ ናይ ናዚ ሰሌዳ ምልክታ ኣብ መንደቕ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕተኛታት ብምንጥልጣሉ ሓያል ቑጥዔ ዓልዒሉ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ብጉዳይ ኣብ መንደቕ ቤት ጽሕፈቱ ሎሚ ንግሆ ዝተንጠልጠለ ናይ ናዚ ሰሌዳ ምልክታ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ጥርዓኑ ከምዘቕረበ ሓቢሩ። እቲ ሰሌዳ ምልክታ ኣርማ ናይ ምንቅስቃስ ተቛውሞ ኖርዲክስ (NMR) ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ፍጻመ፡ ዓቢ ግህሰት ሕጊ ከም ምዃኑ መጠን ተቐላጢፍና ናብ ቤት ጽሕፈትና ብምኻድ ነቲ ሰሌዳ ኣሊናዩ ክትብል ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ናይ ፕረስ ሰክሬታሪ ዝኾነት ዳሪና ኣቓ ከም ዝሓበረት ኤክስፕሪሰን ሓቢሩ።
እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብ መንደቕና ተሰቒሎም ንቤት ጽሕፈትና ዘይውክል መልእኽቲ ብምንጥልጣሎም ጥሕሰት ሕጊ ፈጺሞም ክብል ሓላፊ ዓቕሚ ሰብን ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓላፊ ውሕስነት ኣባይቲ ዝኾነ ስቴፋን ሃንሶን ሓቢሩ። ስካንዲናቭያዊ ናዝያዊ ምንቅስቓስ ሓላፍነት ናይቲ ፍጻመ ምስካሙ ኣብ ማዕከናቱ ሓቢሩ። ንሓያል ዝና ቤት ጽሕፈትና ተጠቂሞም ድምጾም ከስምዑ ምሕሳቦም ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ ፖሊስ ምህላዉ ሃንሶን ሓቢሩ።