ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ምጥቃም ን14 መዓልታት ከምዘቋረጸት ኣፍሊጣ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት በዚ ክታበት ዝተወግኡ ሰባት፡ ምርጋእ ደም ከምዘስዓበሎም ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ዴኒማርክ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጎ እቲ ክታበትን ዝሰዓበ ምርጋእ ደምን ምትሕሓዝ ከምዘሎ ዘረጋግጽ መደምደምታ ከምዘየለ እቲ ቦርድ ሓቢሩ ኣሎ።
ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት እትደልየሉ እዋን፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ እናሃለወ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ከተመሓላልፍ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ክብል ሓላፊ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ሶረን ብሮስትሮም፡ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት በዚ ክታበት ከምተኸትቡ ዝፍለጥ ኮይኑ ጠንቂ ናይቲ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ጸገማት ንምፍላጥ፡ እቲ ክትባት ቅድሚ ንኻልኣይ ግዜ ምቕጻሉ፡ ኣሉታዊ ጽልውኡ ብግቡእ ክጽናዕ ከምዘለዎ፡ ብሮስትሮም፡ ኣዘኻኺሩ።
መስርሕ ደው ምባል ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕ ብሰብ መዚ ጥዕና ዴኒማርክ ዝውሰን እዩ ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ፡ መተ ፍረድሪክሰን፡ ኣፍሊጣ።