ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣደ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ዓሰርተ ዕሸላት ከም ዝተገላገለትን እዚ ድማ ሓድሽ ዓለማዊ ክብረ ወሰን ክኸውን ከምዝኽእል ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ጓል 37 ዓመት ዝኾነት፡ ጎስያመ ታማራ ሲዞለ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ማንታ ቆልዑ ከምዝተገላገለትን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ናይ መጨረሽታ ጥንሳ፡ ሓኪም፡ ካልኣይ ማንታ ኣብ ከብዳ ከምዝሓዘት ድሕሪ ብኡልትራሳውንድ ዝገበሮ መርመራ ምስ ነገሮም፡ ሰንቢዶም ምንባሮም ትገልጽ። ይኹን እምበር፡ ብሰኑይ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ፡ ማንታ ዘይኮኑ፡ ዓሰርተ ዕሸላት ክትገላገል ከምዝኸኣለት ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
በዓልቲ ቤተይ፡ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተገላጊላ። ብጣዕሚ ተሓጊሰ ኣለኹ፡ ብዙሕ ክዛረብ ውን ኣይክእልን እየ ክብል ኣቦ እቶም ዕሸላት ዝኾነ፡ ተቦሆ ትሶተትሲ፡ ንማዕከን ዜና ፕሪቶርያ ሓቢሩ።
እዛ ኣብ መበል 29 ሰሙን ናይ ጥንሳ ብመንገዲ መጥባሕቲ ዝተገላገለት ኣደ፡ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ከም ትርከብ ጸብጻባት ይሕብሩ።
መዝገብ ዓለማዊ ክብረ ወሰን (Guinness World Records)፡ ነቲ ብሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረጋገጸ ጉዳይ ሕርሲ ናይዞም ዓሰርተ ዕሸላት ይምርምር ምህላዉ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ሓንቲ ጓል ማሊ ዝኾነት ኣደ፡ ኣብ ሞሮኮ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ትሸዓተ ዕሸላት ከም ዝተገላገለት ይዝከር።