ምስ ቀብሪ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ብዝተኣሳሰር 15 ሰባት ብዓሎቕ ክሲ ከም ዝቐርበሎም ተፈሊጡ። ካብዞም ተኸሰስቲ ምርኡያት ኣባላት ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዎ ባይቶ ኣውራጃ ምብራቕ ኬፕ ከም ዝርከብዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቶም ተኸሰስቲ ዛጊት ኣብቲ ክሲ ምንም ርእይቶ ኣይሃቡን ኣለዉ ኢሉ። ኣኽባር ሕጊ እዞም ተኸሰስቲ ክሳብ 700ሽሕ $ (500 ሽሕ£ ) ዝኸውን ገንዘብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምዝውዋሮምን ዓሎቕ ምፍጻሞምን ገሊጹ’ሎ። ማንዴላ ድሕሪ ዕላዊ ምፍራስ ኣፓርታይድ ብ 1994 ቀዳማይ ፕረሲደንት እታ ሃገር ኮይኑ ዝተመርጸ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዞም ክሲታት ፈለማ ኣብ 2014 ማንዴላ ድሕሪ ምሟቱ ኣብ ወርሑ ኣብ ምብራቕ ኬፕ እዮም ቀሪቦም። ኣብዚ ክሲ ኣትዮም ካብ ዘለዉ ሰባት ሚኒስተር ምብራቕ ኬፕ ሲንዲስዋ ጎምባ፥ ብርክት ዝበሉ ነጋዶን ጠበቓታትን ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ብዘይካዚ ኣቦመንበር ዞባታት ፑማሊኒ ሙኮሎ፥ ናይ ቀደም ከንቲባ ከተማ ቡፋሎ ዙኪስዋ ንቺታ ከምኡውን ኣፈኛ ቈንስል ሉሌካ ሲሞን ንደዜለ ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። እዞም ተኸሰስቲ ምስ መጓዓዝያ ኣልቀስቲን ንዝኽሪ ተባሂሉ ኣብ ምብራቕ ላንደን ተሓዚኡ ዝነበረ ኣደባባይን ዝተሓሓዝ ዓሎቕ ብምፍጻሞም እዮም ተኸኣኢሶም ዘለዉ። እዞም ተኸሰስቲ ብዋሕስ ወጺኦም 5 መጋቢት ናብ መጋባእያ ክቐርቡ እዮም።