ደቀንስትዮ ካብ ናይ ደቂተባዕትዮ ብ 20% ዝትሕት ኣታዊ ከም ዘለወን፥ “ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ዕርቂ” ገሊጹ፡፡ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት
ኣብ ዝተፈላለያ ጽላታት እተዋፈራ ደቀንስትዮ፥ ብሓፈሻ ዝወሓደ ደሞዝን ዝሓጸረ ሰዓታት ስራሕን እዩ ዘለወን ክብል፥ እቲ ቤት
ጽሕፈት ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ዝህሉ ጋግ ኣታዊ ጾታታት ዘወዳደረ እቲ ቤት ጽሕፈት፥ ኣብ ምምሕዳራት
ከተማ ኣብ ከምኒ ኣብያተ ትምህርቲን ክንክን ቆልዑን ሽማግልታትን ዝሰርሑ ሰባት፥ ኣዝዩ ምዕሩይ ኣታዊ ከም ዘለዎም
ኣጣሊሉ’ሎ። ብኣንጻሩ፥ ኣብ ብሕታዊ ጽላት ኣብ ስርሓት ኢድ እተዋፈሩ ሰባት ዓብዪ ጋግ ኣታዊ ኣለዎም ክብል፥ እቲ ቤት ጽሕፈት
ኣቃሊዑ። ኣብ መንጎ ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ዘሎ ጋግ ኣታዊ ኣመልኪቶም፥ ብርክት ዝበለ መጽናዕቲታት
ኣቐዲሞም ተኻዪዶም ኔሮም እዮም። እንተኾነ ግና፥ ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ ወፍሪን ብርኪን ከምኡ’ውን ዕረፍቲ ወሊድን ሓዊሱ፥
ን ኹሉ ዓይነታት ኣታዊ ዘጠቓልል ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ–ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።