ደቀን በይነን ዘዕብያ ደቀንስትዮ፥ ብኣዝዩ ዝወሓደ ኣታዊ ይናበራ ምህላወን “ወኪል ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን
“ፎርሻ’ክሪንካሳ” ን 2022 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ገሊጹ። ሓሙሽተ ደቃ በይና እንተዕቢ ሳራ ገዛ ኽራይ ድሕሪ
ምኽፋላ ኣብ ኢዳ ዝተርፋ ብኣዝዩ ውሕሉል ቊጠባ ከም እተካውኖ እያ ትገልጽ።
“ብፍላይ ድማ ንኣስቤዛ ዝግበር ናይ ባጀት ስራሕ እቲ ዝኸበደ እዩ። ክራይ ገዛን ካልእን ወርሓዊ ሕሳብን ምስ ዓጸኻ ኣብ ኢድካ
ዝተርፍ ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ጥራይ እዩ” ትብል። ገንዘብ ጨሪሳ ኣብ እትውድኣሉ ግዜ ካብ ቤትክርስትያን ኩፖን ብምውሳድ ካብ
ወርሒ ናብ ወርሒ ከም እትሳገር ዝገለጸት እዛ ኣደ፡ ደቃ ከም ምስዕሳብ፥ መኸተ ጒስጥን ካልእን ንጥፈትታ ክዋስኡ ዝደልዩ እኳ
እንተኾኑ ብሰንኪ ዘለዋ ሕጽረት ገንዘብ ነዚ ከተማልእ ከም ዘይትኽእል ወሲኻ ሓቢራ። ኣብ ሽወደን 29 ሽሕ ዝኾና ኣዝዩ ትሑት
ኣታዊ ዘለወን፥ ደቀን በይነን ዘዕብያ ኣዴታት ምህላወን፥ እንድሕሪ ዝግባእ ምምልካት ጌረን ከኣ ኣብ ድሕነት ኤጀንሲ ሓገዝ
ንኽረኽባ ዝበቅዕ ምኽንያት ምዃኑን እዚ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉን፥ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዘውጻኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ምኽንያት ናይዚ ክስተት ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ኣቕሑ ዝመጸ ልዑል ዝቕባበ እዩ ተባሂሉ’ሎ።