ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ሳፖ፡ ተኽእሎ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ብምባል፥ ህዝቢ ከባቢኡ ንምሕላው ንቑሕ
ክኸውን ካብ ዘተሓሳስብ ንደሓር፡ ብዛዕባ ክትትል ዘይተገብረሎም ቦርሳታትን ካልኦት ስክፍታታት ኣመልኪቱ ንፖሊስ ዝወሃብ
ሓበሬታታት እናወሰኸ ምምጽኡ ተገሊጹ።
“እቲ መጠንቀቕታ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ካብ ሓፈሻዊ ህዝብን ካልእ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝመጽእ ጻውዒታት ብቚጽሪ ኣዝዩ
ወሲኹ’ሎ” ይብል ኣብ ዞባ ፖሊስ ቫስት–ምዕራብ ሽወደን–ሓላፊ ኣሃዱ ስለያ ጀንስ ኣህልስትራንድ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ
ነሓሰ፡ ሳፖ ደረጃ መጠንቀቕታ ግብረሽበራውያን ካብ 3 ናብ 4 ካብ 5 ነጥቢ ብምዕባይ፡ ኣብ ሽወደን ልዑል ስግኣት መጥቃዕቲ
ከምዘሎ ምግላጹ ዝፍለጥ እዩ።