ክሳብ 200 ዝኾኑ ደማሙን ኣኻልብን ካብ ኣፍጋኒስታን ክግዕዙ ከም ዝኽእሉ ጸሓፊ ምክልኻል ብሪጣንያ ቤን ዋለስ ገሊጹ።
ዋንነቶም ናይ ብሪጣንያዊ ኣባል ሰራዊት: ፓል ፋርቲን: ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ: ኣሽሓት ኣፍጋናውያን ካብታ ሃገር ክግዕዙ ኣብ ዝቀራረብሉ ዘለዉ እዋን: እዚ ጒዳይ ኣከራኻሪ ኮይኑ ምህላዉ ኣብሪሁ። ሓይልታት ኣመሪካ: ቅድሚ 31 ነሓሰ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ጠቕሊሉ ክግዕዝ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ንእንስሳታት ልዕሊ ሰብ ቀዳምነት ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ ክጣበቕ ዝጸንሐ: ዋለስ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ፋርቲንግ ምስቶም እንስሳታት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ እንድሕሪ መጺኡ ክጸዓኑ ምዃኖም ገሊጹ’ሎ።
ንኮሜድያን ሪኪ ገርቪስ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ከዋኽብቲ ብሪጣንያ ንሕቶ ፋርቲን ክድግፉ ጸኒሖም ኣለዉ።