ብቕድሚ ትማል ረቡዕ፡ ኣብ ዩስነ ሶደሃም ካብ ዝርከብ መንበሪኡ እተሰወረ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን፡ ሞይቱ ከም እተረኽበ ፖሊስ ገሊጾም። ሬሳ እዚ ህጻን፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 11፡30 ንግሆ ትማሊ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሩባ፡ ብኣገልግሎት መድሕን ከም እተረኽበ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ኣብዚ ደረጃ፡ ኣብ ልዕሊዚ ህጻን ገበን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ዘብል ምንም ሓበሬታ የለን። ምኽንያት ሞት እዚ ህጻን ሓደጋ ምጥሓል ከም ዝመስል፡ እንተኾነ ግና ውጽኢት መርመራኦም ይጽበዩ ምህላዎም፡ ፖሊስ ወሲኾም አሊጾም ኣለዉ።