ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝኽሰት ዓመቱ መሊኡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዩክሬናውያን ስደተኛታት
ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘሕለፍዎ ህይወት ገምጋም ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። ድሕሪ መጠነ ሰፊሕ ወራር ሩስያ፡ ሚልዮናት ዜጋታት
እታ ሃገር ምስዳዶም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 50 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ሽወደን ከም ዝቕመጡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሓንቲ ካብዞም ስደተኛታት ኣላ ቢድኑክ፡ “ጓላ ቊልዕነታ ከይሰኣነት ከም ማንም ካልእ ቆልዓ ክትዓብየላ ከም እትምነ” ንሬድዮ
ሽወደን ገሊጻ’ላ።