ንዓለም ኣገዳሲ ኰይኑ ዘሎ ባእታ’ዩ። ዩራንዩም ሓደ ካብ ኣብ ‘ፐርየዲክ ቴብል’ እንርእዮም ብረታዊ ባህሪ ካብ ዘለዎም ባእታታት’ዩ። ጽሩይ ዩራንዩም ንኣልሚንዮም ወይ ብሩር’ዩ ዝመስል። ካብ ብረታዊ ባህሪ ዘለዎም ባእታታት ዝያዳ ዝኸበደ’ዩ። 0.3 ሜትር ኲዩብ ዩራንዩም ልዕሊ ፍርቂ ቶን ይምዘን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣቶም ዘሎ ሓይሊ ጸዓት ንኽወጽእ ዓቢ ሓገዝ ገይሩ’ዩ። ዓለም ነዚ ኑክሌራዊ ጸዓት ንምዕባለን ዕንወትን ትጥቀመሉ’ላ።
ሓደ ኣቶም ክምቀል ከሎ ዘይተኣደነ ጸዓት’ዩ ዘመንጩ። ከም ዩራንዩም ክፍንጨሉ (ክምቀሉ) ከለዉ ዝሓየለ ጸዓት የመንጭው። ሓደ ኪ.ግራም ዩራንዩም ከባቢ ሰለስተ ሚልዮን ኪ.ግራም ከሰል (Coal) ከመንጭዎ ዝኽእል ጸዓት ከመንጩ ይኽእል። ዩራንዩም ቀስ እናበለ እዩ ዝፍንጨል። ሓያል ጸዓት ገለ ጥረ ነገራትን ኣብ ከርሱ ይፍንጀሩ። ኣብ ሓደ ግዜ ውሑዳት ኣቶማት’ዮም ብሓደ ክፍንጨሉ ዝኽእሉ። ኣብ ኣቶሚክ ቦምብ ግን ብዙሓት ተሓቚኖም ብሓደ ከም ዝምቀሉ ይግበር። ሽዑ ዓቢ ነታጒ ይኸውን። ዩራንዩም ዝውንና ሃገራት ቁጠብአን ዝበረኸ’ዩ። እንተዀነ፡ ዕደና ዩራንዩም ኣዝዩ ዓቕሚ ዝሓትትን ኣህላኽን’ዩ።
ምንጪ፡-National Geography