የመናውያን ጀለብቲ ካብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ 1.5 ሚልዮን ዝዋግኡ ዕንዲዳ ኣምበግሪስ ምርካቦም ተገሊጹ።
ጒጅለ ጀለብቲ የመን ኣብ ገማግም ወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ካብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ 1.5 ሚልዮን ዝዋግኡ ኣምበግሪስ እንተባህለ ዝጽዋዕ ክቡር ማዕድን ዕንዲዳ ብምርካቦም ብቕጽበት ካብ ድኽነት ተገላጊሎም ኣለዉ።
እዞም 35 ዝኾኑ ጀለብቲ የመን ልሙድ ስራሕ ምግፋፍ ዓሳ እናካየዱ ኣብቲ ባሕሪ ጸነበለል ዝብል ሬሳ ዓሳ ነባሪ ምርኣዮም ነቲ ዓሳ ናብ ገማግም ወሲዶ ከብዱ ምስ ቀደድዎ ነዚ ኣዝዩ ክቡር ማዕድን ምርካቦም ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። ኣምበርጊስ ሳሕቲ ጥራይ ዝርከብ ዓሌት ማዕድብ ዕንዲዳ ኮይኑ ኣብ ኢንድስትሪ ቅመማ ጨና ተደላዪ ምዃኑ ይንገረሉ።
ሓድር ካብቶም ጀለብቲ ነዚ ዕድል ኣመልኪቱ ” ነቲ ሬሳ ቅርብ ምስ በልናዮ፥ ብርቱዕ ኣፍንጫ ዝስርስር ጨና እዩ ተቐቢሉና፥ በዚ ድማ ዓምበርጊስ ከም ዝረኸብና ጠርጢርና። ሕጎሰይ ክገልጾ ኣይክእልን እየ፥ ኣልሓምዲሊላህ” ምባሉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሱዓድ ኣልሳሊሒ ገሊጻ።
የመን ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለምና ኣብ ልዕሊ ምዃና ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደትን ጥሜትን ከም እተቓልዑ ዝዝከር እዩ።