ናብ መሮር ዝጠፍኡ ኣናህብ ንምስሓብ፡ ኣብ 157 ምምሕዳራት ከተማ እተሃንጹ “መዕረፍ ኣናህብ” ከምኡ’ውን መጸገዪ
ማእከላት መጠነኛ ውጽኢት ከም እተረኽቦም ተፈሊጡ። በዚ ድማ ብብዝሒ ክድለ ዝጸንሐ ምጽጋይ ክምለስ ምጅማሩ ይግለጽ
ኣሎ። እዚ ፕሮጀክት ን ኣናህብ ዝኾኑ “መዕረፊ ቦታታት ብምስራሕ ከም እተሳለጠ፡ ወሮኒካ ኣዜልሰን ሊንኮቭስኪ ካብ ኤጀንሲ
ምዕቃብ ኣከባቢ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ኣናህብ ኣብ ክንዲ ኣብ መሮር ዝረኽብዎ ባህርያዊ ንቚጽ ዕንጸይቲ ናብዚ ፍሉይ መዕረፊ
ክሰሓቡ ይግበር ምህላዉ እውን ኣመልኪታ።
እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመታት 2020 ከምኡ’ውን 2022 ብጠቕላላ ናይ ኣስታት 50 ሚልዮን ክሮና ወፍሪ ዝተገብሮ እዩ።