እተን ቀዳሞት ሰለስተ ዝኸበራ ናይ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ከባቢ ምዕራባዊ ገማግም ከተማ ዮተቦሪ ከምዝርከባን እታ ዝኸበረት ገዛ ክራይ ክሳብ 32160 ክሮነር ከም እትበጽሕ ናይ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት መጽሔት Hem & Hyra ሓቢራ። ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ዝኸበረት ናይ ክራይ ገዛ ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር እትርከብ ከተማ ማልሞ ትርከብ። ከምዚ ዓይነት ኣባይቲ ንምክራይ ዓመታዊ ክሳብ 800 ሽሕ ክሮነር ኣታዊ ክህልወካ ከምዘለዎ እታ መጽሔት ሓቢራ። እዘን ዝስዕባ ናይ ክራይ ኣባይቲ ብመሰረት እታ መጽሔት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ፡
1. ቀዳማይ ደረጃ፡ 7 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 32160 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Kungsportsavenyen 37 ዮተቦሪ ይርከብ።
2. ካልኣይ ደረጃ፡ 5 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 26783 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Kungsportsavenyen 37 ዮተቦሪ ይርከብ።
3. ሳልሳይ ደረጃ፡ 6 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 25773 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ ፋሳጋታን ዮተቦሪ ይርከብ።
4. ራብዓይ ደረጃ፡ 7 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 25759 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Marietorps allé 3A، Malmö ይርከብ።
5. ሓሙሻይ ደረጃ፡ 6 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 25549 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Husarviksgatan 18 ስቶክሆልም ይርከብ።
6. ሻድሻይ ደረጃ፡ 7 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 25059 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ ሳንትቦልስጋታን 10 ስቶክሆልም ይርከብ።
7. ሻውዓይ ደረጃ፡ 6 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 25000 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ ጎታበርግስጋታን ዮተቦሪ ይርከብ።
8. ሻሙናይ ደረጃ፡ 6 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 23426 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Københamnsvägen 95، Malmö ይርከብ።
9. ታሽዓይ ደረጃ፡ 7 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 22645 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Valhallavägen 96 ስቶክሆልም ይርከብ።
10. ዓስራይ ደረጃ፡ 5 ክፍልታት ዝሓዘ፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ክሳብ 2265 ክሮነር ዝበጽሕ ኮይኑ ኣብ Københamnsvägen 93A، Malmö ይርከብ።