ዝተፈትሓ ደቀንስትዮ ኣውሮጳ–ብፍላይ ድማ እተን መበቆለን ካብ ማከላይ ምብራቕ ዝኾነ ደቀንስትዮ–ኣብ ቲክቶክ ብዙሕ
መድሃልቲን ጸርፊን ይወርደን ምህላዉ ተፈሊጡ። መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን–ካሊበር–ኣብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈት
እተዋፈራን ናይ መን ምዃነን ዘይፍለጣን ሽዱሽተ ሕሳባት ቲክቶክ ኣለልያ’ላ። ካብዚኣተን እታ ዝዓበየት ሕሳብ ስማ “ዚ
ኤክሰክዩሺነር ኦቭ ዲኦርስድ ዉመን” ማለት–“ቀታሊ ዝተፋትሓ ደቀንስትዮ” እዩ። ነተን ነዘን ደቀንስትዮ “ኣመናዝር” ኢለን
ኣብ ልዕሊ ምጽራፍ፥ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ የስፋሕፍሓ ኣለዋ ብምባል እውን ይውንጅለአን ኣለዋ። ኣብ ማእከል ምንቅስቓስ
ኣካላትን ኮርስ ቋንቋን ምስ ዝረኽባኦም ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ይፍጻም ምህላወን እውን ይገልጽ። ኣብ ሓንቲ ካብዘን ሕሳባት
ቲክቶክ ስማ እተጠቕሰ ሳልማ ዝስማ ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ምስ ሓዳራ እተፋትሐት መንእሰይ እያ።
"እንታይ ገደሶም? ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወት ሰባት እንታይ ኣእተዎ?" ክትብል በዚ ሕሳብ ቲክቶክ ሸቶ ዝተገብረት ሳልማ ትዛረብ።
ምስ ክብሪ ብዝተሓሓዝ ዝፍጸሙ ጎነጻትን ጭቆናን እትከታተል ክሪስቲን በዞም ሕሳባት ብዙሕ ከም ዝሓዘነት ትገልጽ። “ስም
እዚ ዝዓበየ ሕሳብ ንባዕሉ ጻውዒት ገበን እዩ። እዚ ብሕጊ ዘሕትት እዩ” ክትብል ኣተሓሳሲባ።
እዛ ሕሳብ ብ ቲክቶክ ክትዕጾ እኳ ተጌሩ እንተነበረ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ካልእ ሕሳብ ቲክቶክ ተኸፊቱ ምህላዉ ክሪስቲን
ወሲኻ ገሊጻ’ላ።