ኣብ እዋን ምምራጽ ስም ህጻን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ወለዱን ካልኦት ኣባላት’ታ ስድራ ዝሕወሱዎን ዘይምርድዳእ ይፍጠር’ዩ። “ክስቶ’ዩ ክበሃል ዘለዎ፡ ኣይፋሉን ክስቶ’ምበር” እናበሉ፡ ነቲ መብዛሕትኡ እዋን ንድልየታቶም እምበር ንመጻኢ ናይ’ቲ ህጻን ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣስማት ኣብ ምምራጽ ይከራኸሩ። ስም፡ ኣብ ብዙሕ ልምድታት ምስ ወናኒኡ ጥቡቕ ምትእስሳር ከም ዘለዎ’ዩ ዝእመን። ገለ ቀቢላታት ኣፍሪቃ፡ ንስም’ቲ ህጻን ኣብ እዋን ምውላዱ ምስ ዝኽሰቱ ናይ ባህሪ ፍጻሜታት የተኣሳስሩ። ከም በርቂ፡ ዝናብ፡ ጸልማትን ብራቕ ጸሓይን ዝብሉ ኣስማት ድማ ልሙዳት’ዮም።
ብዙሓት ሃገራት፡ ዝተመርጸ ስም ኣብ መጻኢ ነቲ ህጻን ኣደዳ ባጫን፡ ጭንቀትን ንኸይገብሮ፡ ኣብ ምምራጽ ስም ዕቱብ ምቁጽጻር ይገብራ።
ኣብ ሃገራት ስካንደኔቭያ ብዮርን ዝብል ስም ዝውቱር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ነርወይ ግን ክልኩል’ዩ። ድቢ ዝብል ትርጉም ስለ ዘለዎ።
ኣብ ፖርቱጋል፡ “ቶም ወይ ጀሪ” ዝብል ስም ክልኩል’ዩ።
ኣብ ኣይስላንድ፡ 3565 ፍቑድ ኣስማት ኣሎ። ካብ’ዚ እቲ 1853 ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ እዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ስም ክትጥቀም ብሕጊ የሕትተካ።
ኣብ ኒውዚላንድ፡ ንግስቲ ቪክቶርያ፡ ማፍያ ኖ ፊር፡ ዶትኮምን ፎር ሪልን ዝኣመሰለ ኣስማት ክልኩል’ዩ።
ኣብ ፈረንሳ ኑቴላ ዝብል ስም ክልኩል’ዩ። ምልክት ንግዲ ብምዃኑ።
ኣብ መክሲኮ፡ በርገር ኪንግ፡ ቨርጂን፡ ሂትለርን ሱፐርማንን ባትማንን፡ ናይ ዓበይቲ ትካላት መካይን ስም ከም መርሰደስን ኦፐልን ኖክያን።
ኣብ ደኒማርክ ፕላቶ፡ ሞንኪ ካብቶም ክልኩላት ኣስማት’ዮም። 7 ሽሕ ፍቑድ ኣስማት ድማ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ዳዒሽን ቢንላዲንን ዝብሉ ኣስማት ክልኩላት’ዮም። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ፡ እስራኤል ዝብል ስም ምውጻእ ብሕጊ የሕትተካ።
ኣብ ማለዥያ፡ ምስ ቁጽርን እንስሳታትን፡ ሕብርን ፍሩታን ዝተኣሳሰሩ ኣስማት ኣብ ኣገልግሎት ኣይውዕሉን’ዮም።
ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለምና፡ ሰይጣን፡ ያሁን ፌስቡክን፡ ዝብሉ ኣስማት ክልኩላት’ዮም።