በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረን ንምቁጽጻር፡ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ያፍለበሪን ቫስተርኖርላንድን ዝተረረ ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ከምዝወሰነ ሓቢሩ። እዚ ውሳነ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ክሳብ 13 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ከምዘለዎን ብምውሳኽ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ገሊጹ።
ኣብ መላእ ሽወደን ዘለዋ ኩለን ምምሕዳራት፡ ብዘይካ ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ በዚ ውሳነ ዝጽለዋ ምዃነን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።
እዞም ተቐማጦ፡ ምስ መናብርቶም እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ርክባት ከይገብሩ ተኸልኪሎም ኣለዉ ክብሉ ሰብመዚ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም። እዚ ማለት፡ ጽምብላት ምድላውን ምስታፍን፡ ኣብ ዕጹው ዝኾኑ ዱኳናት፡ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ቤተ ምዘክር፡ ቤት ንባብ፡ መሐንበሲ ቦታታትን ስፖርታዊ ማእከላትን ምኻድ ክንቁጠብ ከምዝግባእን፡ ብኣድላይነት ናብ ቤት መሸጣ መድሃኒትን መግቢ ዝሽየጠሉ ትካላት ምኻድ ግን ኣይክልክልን እዩ። ሕክምናዊ መርመራታትን ቆጸራታትን ግን ኣብዚ ሓድሽ መምርሒ እቱዋት ኣይኮኑን።
ምምሕዳራት ያፍለቦሪን ቬስተርኖርላንድን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ንሰብ መዚ ጥዕና ዘሻቐለ ርኡይ ዝኾነ ምውሳኽ ቁጽሪ ግዳያት ኤች ኣይ ቪ ከም እተራእየን ተፈሊጡ።