ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ዘይንቡር ብዝሒ ምፍንጃራት ከም እተኸስተ ተገሊጹ። እዚኣቶም ኲልሳዕ ምስ ግርጭታት ጒጅለታት ገበን
እተተሓሓዙ ኮይኖም፡ ዝያዳ ሃስያ ዝወርዶም ዘሎ ቆልዑ ምዃንም ሬድዮ ሽወደን ዘሳለጠቶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣገልግሎት ሬድዮ
ሽወደን ካብ 2020 ንደሓር፥ ምስ 26 ምፍንጃራት እተተሓሓዙ ብ ቤት ፍርዲ እተዋህቡ ብይናትን ኣፈናዊ መርመራታትን
ኣመልኪታ ኣብ ዝገበረቶ ዳህሳስ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ምፍንጃራት ንቖልዑ ግዳያት ሞትን መቚሰልቲን ምግባሮም ኣጣሊላ።
ሕጋዊ ወኪል ናይታ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ቦምብ ናብ ቤቶም እተደርበዮም ስድራቤት ዝኾነ ጠበቓ ዮሃን ሂትበሪ፡ “በቲ ምንታጒ
ኲሎም ክሞቱ ምኸኣሉ ኔሮም፡ እንተኾነ ግና እታ ቦምብ ቅድሚ ምፍንጃራ ብዕድል ናብቲ ሰብ ዘይነበሮ ክፍሊ ብምጥዋያ እታ
ሞግዚት ኣእጋራ ምቚሳሉ ገዲፍካ ክንድቲ እተፈርሆ ጒድኣት ኣየውረደትን” ክብል ገሊጹ።
ነዚ ዝፈጸመ ሰብ ነቲ ተግባር ከም ዝወዓሎ ናይ እምነት ቃል እውን እንተዘይሃበ፥ ፍርዱ ከም እተቐበለ ዝገለጸ ዮሃን፡ ዕላማም እቲ
ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ኣብ ጎረቤት ዝቕመጥ ካልእ ስብ ምንባሩ፡ እታ ዝተወርወረት ቦምባ ግና ናብ ቤት ግዳያት ምእታዋ ወሲኹ
ሓቢሩ።
ብዙሓት ካብ ጎነጻዊ መጥቃዕቲታት ጒጅለታት ገበን ቆልዑ ብብዝሒ ኣብ ዝቕመጡሉ ኣባይቲ ይፍጸም ምህላዉ፥ ምኽንያት
ብዝሒ ግዳያት ህጻውንቲ እዩ–ብመሰረት ጠበቓ ዮሃን።