እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ብሕጊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ (gymnasielagen) ዝፍለጥ ሓድሽ እማመ፡ ብዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ሰልፍታት ተቛውሞ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ፡ መንግስቲ ንዘቕረቦ እማመ ክስሕብ ክግደድ ማለት እዩ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንፓርላማ ክሰምዕ ይግባእ ክትብል ኣብ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ወሃቢት ቃል ጉዳይ ስደተኛታት ዝኾነት ማርያ ስቲንርጋርድ፡ ን SVT ሓቢራ።
እዚ ኣብ 2018 ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንብዙሓት ብዘይ መሰነይታ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ዋላ’ኳ ጉዳይ ሕቶ ዑቕበኦም እንተተነጸገ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ክጸንሑን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩን ፍቓድ ዝህብ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ስራሕ እንተ ድኣ ረኺቦምን ንኽልተ ዓመታት እንተ ሰሪሖምን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክሕዙ ዘኽእል ሕጊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትናን ሚልዮፓርትየት፡ ዝምራሕ መንግስቲ ሽወደን፡ እቲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ክልተ ዓመታት ክሰርሑ ዝብል ሕጊ ናብ ሓደ ዓመት ክቕየር ዝብል እማመ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዘቕረበ ይፍለጥ።
ሕጊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ (gymnasielagen)፡ ነቶም ካብ 17 ክሳብ 24 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ብዘይ መሰነይታ ናብ ሃገረ ሽወደን ብምእታው፡ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጎም መንእሰያት ዝምልከት ምዃኑ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ይሕብር።