ኣመሪካ፡ ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ንዝንገረላ፡ ኤዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ናብ ሃገራ ከይትኣቱ ከም ዝኸልከለት ተገሊጹ።
እዚ ክልከላ፡ ብሰንኪ ገዚፍ ብልሽውና ኤዛቤል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኤዛቤል፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ክፍሊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብብልሽውና ብምውንጃል ናብ ዓዱ ከይኣትዉ እገዳ ዘንበረሎም ሰባት፡ ሓንቲ እያ።
48 ዓመት ዝዕድሜኣ፡ ኤዛቤል፡ ጓል ፕረሲደንት ኣንጎላ ነበር፡ ሆዜ ኤድዋርዶ ሳንቶስ፡ እያ። ሳንቶስ፡ ኣብ 2017 ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ፡ ንሳ ኣደ ወንበር ሃገራዊ ኲባንያ ነዳዲ ዘይቲ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ኤዛቤል፡ ስልጣና ተጠቒማ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ኣውዒላ እያ ብምባል፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ክኸሳ ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ። በዚ ድማ፡ ኤዛቤልን ስድራቤታን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ተኣጊዶም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።