ኣብ ኦስሎ ዝቕመጥ ሰብኣይ ኣብ ክሊ ዕድመ 14-16 ዝርከቡ 41 ቆልዑ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ተኸሲሱ። እቲ ክሲ ትማል ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦስሎ ተጀሚሩ’ሎ። ዝበዝሐ እዚ ጾታዊ ምድፋር ኣብ ዓመተ 2018 ን 2020 ብመንገዲ Snapchat ከም እተፈጸመ NRK ሓቢራ’ላ።
“ዝበዝሑ ካብዞም ጾታዊ ዓመጽ እተፈጸሞም ቆልዑ ሽዑ ዕድሜኦም ትሕቲ 14 እዮም ኔሮም፡ እዚ ዓብዪ ወንጀል ዩ” ክብል ኣኽባር ሕጊ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦስሎ ዳንኤል ሶሊ ንጋዜጥ VG ብ ዝህቦ ኣበሬታ ኣመልኪቱ። እቲ ክሱስ ነዘን ህጻናት ኣዋልድ ስእሊታትን ቪድዮን ክልእካሉ ምሕታቱን ንገሊአን ድማ ገንዘብ ምኽፋሉን ኣብቲ ክሲ ተመልኪቱ’ሎ። “ሓደ ሰብኣይ ኲነታት ን ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ኣሻቒሉዎ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምምልካቱ እቶም ካልኦት ግዳያት ብመርመራ ፖሊስ ከም እተረኽቡ” ሶሊ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ቤት ተኸሳሲ ፖሊስ ክሳብ 40 ሽሕ ዝኸውን ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘርኢ ስእሊታትን ቪድዮን ምርካቦም ዝገለጹ ፖሊስ እዚ ናይ ፍርዲ መስርሕ ክሳብ መወዳእታ ግንቦት ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም ኣለዉ።