ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ግና ፍቓድ ስራሕ ዝረኽቡ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ፍቓዶም ከናውሑ ዝደልዩ ሰባት
ዝምልከት ሓድሽ ደረት ደሞዝ ኣብዚ ቀውዒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ሓድሽ ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ወርሒ
26,560 ክሮና ክኸውን እዩ። በዚ ድማ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮኑ ሰባት ናይ ስራሕ ፍቓዶም ንኽሕደስ ወርሓዊ
ኣታዊኦም ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ዝበዝሕ ክኸውን፡ ወይ ድማ ናብ ዓዶም ክስናበቱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። “እዚ ኲነታት
ንኣይ ሕማቕ ዜና እዩ፥ ምኽንያቱ ደሞዘይ ናብዚ ዝተጠቕሰ መጠን ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ” ክትብል ሓንቲ ስማ ክጥቀስ
ዘይደለየት ወጻእተኛ ንሬድዮ ሽወደን ትገልጽ። እዛ ካብ ኤልሳልቫዶር ዝመጸት ሰበይቲ ኣብ ሽወደን ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት
ዝተቐመጠት ኮይና፡ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ዝሓዘትን ኣብ ስቶክሆልም ቤት ዝዓደገትን እያ። ነፍሰጾር ኣብ ልዕሊ ምዃና፥ 24 ሰዓታት
እውን እናሰርሐት ነዚ ናይ 26,560 ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ክትበቕዖ ኣብ ዘይትኽአሉ ኲነታት ምህላዋ ብርቱዕ ሻቕላ ከም
ዝፈጠረላ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
"በዚ ዝበሃል ዘሎ እንተኾይኑ ንዓደይ ምምላሰይ ዘይተርፍ እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ብሓቂ ንዓይ ዘሕዝንን ውጥረት ዝመልኦን
ክኸውን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ኣውፊረ ኣለኹ" ክትብል በቲ ውሳነ ምሕዛና ኣመልኪታ።
ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስተነጋድ ግና እዚ ሕጊ ቅኑዕ ምዃኑን ልዑል ሞያዊ ብቕዓት ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ወጻኢ
ንምስሓብ ተባሂሉ ዝተገብረን ምዃኑ እያ ትገልጽ።