ጽባሕ ዝጽንበል መዓልቲ ልደት ብዙሓት ስድራቤታት ብሰንኪ ተረርቲ መምርሒታት ኮቪድ-19 ስድራቤቶም ክበጽሑ ኣለዎም ዶ የብሎምን ኣብ ዝብል ይዋልኡ ኣለዉ ተባሂሉ።
እንተኾነ ግና ገሊኦም ናብ ስድራቤቶም ክበጽሑ ዘይክእሉ ምዃኖም እፎይታ ከም ዝሃቦም እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። “
ብምኽንያት ኮቪድ ናብ ስድራይ ኣመሪካ ክበጽሕ ዘይምዃነይ ዓቢ እፎይታ እዩ ንዓይ” ትብል ሳብሪና (ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን) “ወለድይ ብህይወት የለዉን፥ ስለዚ ድማ ኣሕዋተይ ክርኢ እየ ዝኸይድ ኔረ።
ሓወይ ጠባዩ ኣሸጋሪ እዩ፥ በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ኣመና ነብሰ ፍትወት ዘለዋ ብምዃኑ ነቲ ምብጻሕ ብዙሕ እሕጐሰሉ ኣይነበርኩን። ገለ እዋናት ኣብ ኣመሪካ እኸይድ ግና ንስድራይ እውን እነግሮም ኣይነበርኩን” ትብል።
ካልእ ድማ “ሓወይ ኣሎኒ ብዛዕባ ሽግር ጥራይ እናዕለለ ስምዒት ገበን ክጸዓን ዝገብረኒ! ስለዚ እቲ ናይ ልደት እዋናት ዕረፍቲ ብዙሕ እዓግበሉ ኣይነበርኩን” ብምባል በዚ ናይ ኮቪድ -19 ምዕጋት ከም ዝበለጸ ዕድል ትገልጾ።
ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላታትን ጽምዲን ዝኾኑ እንዳ ሲንግ ድማ “እዛ ዓመት ብዙሕ ፋይናንሳዊን ስምዒታዊን ጸቕጢ ገዲፋትልና እያ ትሓልፍ ዘላ፥ ስለዚ ድማ ምስ ስድራና ኣብ ክንዲ ንራኸብ ክንተሃዳደም ኢና ኣሕሊፍናዮ ጸኒሕና” ብምባል ነዚ ናይ በዓል ኣጋጣሚ ትገልጾ።
በዓል ልደትን ምስ ኮቪድ-19 ብምትእስድር ገለ ሰባት ከም መመሳመሲ ገለ ድማ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ይጥምትዎ ምህላዎም ድማ ቢቢሲ ምስ ገለ ሰባት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ።