ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚራ፡ ሃገረ ዚምባብዌ፡ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ዝተባህለሉ ናይ 50 ዚምባብዌ ዶላር ገንዘብ ክተሕትም ምዃና ተሓቢሩ።
ዋጋ እዚ ገንዘብ፡ ናብ ዶላር ኣመሪካ እንክትመን 60 ሳናቲም ጥራይ ምዃኑ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ዚምባብዌ፡ 360 ሚልዮን ዶላር ባጤራ እታ ሃገር፡ ናብ ባንክታት ክከፋፈል ምዃኑ እውን ሓቢሩ’ሎ። እዚ ንመበል ሻድሻይ ግዜኡ ዝስራሕ ዘሎ ባጤራ ኮይኑ፡ እቶም ትሕት ዝበለ ዋጋ ዘለዎም ባጤራታት፡ ብሰንኪ ዝተኸስተ ልዕሉ ዝቕባበ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምዃኖም ተሓቢሩ። ብሰንኪ ክቱር ዝቕባበ፡ ሰባት፡ ንእሽቶ ኣቕሓ ንኽገዝኡ ኣኽያሽ ምሉእ ገንዘብ ሒዞም ክኸዱ ይግደዱ ምንባሮም ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ሓድሽ ባጤራ፡ ነዚ ከቃልል ይኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ ኢሉ።
ኣብዚ ባጤራ፡ ስእሊ ሓርበኛ ተቓላሳይ ጸረ መግዛእቲ፡ ምቡያ ኔሃንዳ፡ ኣለዎ።