ኣብ ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰባት፡ መርገምን ምርቓን ዓቢ ቦታ ኣለዎ። ንሓይሊ መርገምን ምርቓን ዝምስክሩን ንኻልኦት መምሃሪ ክዀኑ ተባሂሎም ዝተሰነዱን ኣገረምቲ ፍጻመታት’ውን ኣለዉ። ሎሚ ብዛዕባ መርገም “እግሪ’ታ ብድልቲ ሽማግለ” ተባሂሉ ዝተሰምየ፡ ኣብ ኣመሪካዊ ዞባ ሚን ከተማ ባክስፖርት ዘጋጠመን፡ ኣሰሩ ክሳብ ሕጂ ንወለዶታት ዝቐጸለን ዘይተፈትሐ ግድል ኢና ከነቕርብ። ክቡራት ኣንበብቲ’ውን ምስ’ዚ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ይዅን፡ ካልእ እትፈልጥዎ ዘይተፈትሐ ግድል ምስ ዝህልወኩም፡ ብኣድራሻና ክትሰዱልና ብትሕትና ንዕድም።
ኣብ መፋርቕ መበል 19 ክ/ዘ፡ ተርእዮታት ጥንቆላን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ድሑራት ልምድታትን ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ገኒኖም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፡ ኣብ ከተማ ባክስፖርት “ሓንቲ ህጻናት እትቐትል ጭሕሚ ዘለዋ መኻን ሽማግለ ጠንቋሊት ኣብ’ታ ከተማ ተራእያ” ዝብል ወረ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ኣእተወ። ኣብ’ታ ከተማን ከባቢኣ ዘለዋ ከተማታትን ቁጽሪ ዝሞቱ ህጻናት ክውስኽ ብምጅማሩ፡ ብዙሓት ነቲ ዝናፈስ ዝነበረ ወረ ብምእማን ደቆም ክሓብኡ ጀመሩ። ዛዕባ’ታ ጨሓም ጠንቋሊት ድማ መዛረቢ ኰነ። ኣመሓዳሪ’ታ ከተማ ዝነበረ ኮሎኔል ባክ ግረይ፡ ነታ ሰብ ንምርካብ ሰራዊቱን ነበርቲ’ታ ዓዲን ብምኽታት ብዛዕባኣ ሓበሬታ ንዝረኸበ ሰብ ድማ ብርክት ዝበለ ግንዖ ቀረበ። መዓልታት ሓለፉ። እቲ ናይ ተፍቲሽ ስፍሓት ድማ እናተመጠ ከደ። እታ ጨሓም ጠንቋሊት ግን፡ ክትርከብ ኣይተኻእለትን። ኮሎኔል ባክ ሰፊሕ ሕርሻ ይውንን ብምንባሩ፡ ናብ ሕርሻኡ ዘእቱ ጽርግያ ኣብ ምስራሕ’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ መንበሪ ማድሊን ዝተባህለት ሽማግለ ሰበይቲ ንመስመር’ቲ ጽርግያ ይዓግቶ ብምንባሩን፡ ንሳ ድማ ንቤታ ክትለቅቕ ፍቓደኛ ብዘይምንባራን፡ ኮሎኔል ባክ ሓደ ምሸት ብዛዕባ’ቲ ጽርግያ እናሓሰበ እንከሎ፡ “ፍታሕ’ዩ” ዝበሎ ሰይጣናዊ ሓሳብ ኣንቀደ። ንጽባሒታ ድማ መሳርሕቱ ብምእካብ፡ “ነዛ ሽማግለ ጠንቋሊት ንምርካብ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን’ኳ እንተበልና፡ ንሳ ግን ኣብ መንጎና’ያ ትነብር ዘላ። ንሳ፡ ወ/ሮ ማድሊን’ያ” ብምባል፡ ንምክትሉ ንምድሃል ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኣዒንቱ ናብኡ ብምትካል፡ “ቀልጥፍ። ብዛዕባ’ዚ ዝረኸብኩዎ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣጻሪኻ መልሲ ሃበኒ። እንተዘይኰነ ግን፡ ናይ’ቶም ዝሞቱ ህጻናት ተሓታቲ ባዕልኻ ኢኻ” በሎ።
ምክትል እቲ ኮሎኔል እቲ መልእኽቲ ብንጹር ስለ ዝተረደኦን፡ ጭካነ’ቲ ኮሎኔል ይፈልጥ ብምንባሩን፡ ማድሊን ኣብ ሓጺር እዋን ባዕላ ፈሪማትሉ’ያ ዝተባህለ ሰነድ ብምቕራብ ገበነኛ ተባሂላ፡ ብኮሎኔል ባክ ናይ ሞት ፍርዲ ተበየነላ። እታ ንጽህቲ ምዃና ብተደጋጋሚ ምሕጽንታኣ ተቕርብ ዝነበረት ማድሊን፡ ሰማዒ ብምስኣና መዓልቲ ፍርዳ ኣኸለ። ኣብ ቅድሚ ኮሎኔል ባክን ነበርቲ’ታ ከተማን ድማ ተሓንቀት። ምማታ ዘይተርፍ ምዃኑ ዝተረደአት ማድሊን፡ መርገማ ናብ ኮሎኔል ባክ ብምድርባይ’ያ ነዛ ዓለም ተሰናቢታታ። እቲ መርገም፡ “ዓለም ንጽህቲ ምንባረይ ክትፈልጥ፡ ኣሰር እግረይ ንዘልኣለም ኣብ ልዕሊ መቓብርካ ክስነድ’ዩ። ንስኻ’ውን፡ ክሳብ እትመውት ኣይክትቐስንን ኢኻ” እዩ ዝብል ነይሩ። ድሕሪ ሞት ማድሊን፡ ሞት ህጻናት ብርኡይ ጎዲሉ’ዩ። ህዝቢ ሩፍታ ተሰመዖ። ኮሎኔል ባክ’ውን ነቲ ባዕሉ ዝኣለሞ ክፋእ ብምርሳዕ፡ “ጽቡቕ ገሚተ ነይረ” ክብል፡ ንሕልናኡ ከደዓዕስ ፈተነ።
ወርሒ ድሕሪ ሞት ማድሊን፡ ልክዕ ኣብ’ታ ዝሞተትላ መዓልቲ ኮሎኔል ባክ ኣጋጣሚ ብጥቓ መቓብራ እናሓለፈ እንከሎ ፈረሱ ሃንደበት ብምንፋጹ፡ ካብኡ ብምውዳቕ የማነይቲ ኢዱ ተሰብረት። እቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኮሎኔል ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፍጻመታት ድማ ቀጸሉ። ዝተኣከበ ሓሰሩ ብሓዊ ተቓጺሉ። ዓቂቡዎ ዝነበረ ብኣሽሓት ዝግመት ኣጋንእ ክቡር ነቢት ሃንደበት ተተኲሱ። ሰላም ቤቱ ክዘራረግ ጀሚሩ። መዓልታዊ ማድሊን እናፈከረት ኣብ ሕልሙ ክትርኣዮ ብምጅማራ ድማ፡ ድቃስ ሰኣነ። ከም ሳዕቤኑ’ውን ህይወቱ ተዘራረገ። ኮሎኔል ድሕሪ ማድሊን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ካልኣይ ዓመታ’ዩ ዓሪፉ። ብመሰረት’ቲ ዝጸሓፎ ለበዋ ድማ፡ መቓብሩ ብብሉጽን ዝዀነ ዘየበላሽዎን ጻዕዳ ማርሞ ክስራሕ’ዩ ኣዚዙ። ደቁ ከኣ ምስ ግርማኡን ጽልዋኡን ዝዳረግ ናይ ኣርባዕተ ሜትሮ ማርሞ ሃነጹሉ። ኣብኡ’ውን “ኣብ’ዚ እቲ ጅግና ኣመሓዳሪ ከተማ ባክስፖርት ብሰላም ዓሪፉ ኣሎ” ዝብል ግሩም ጽሑፍ ጸሓፉሉ።
ኣብ ወርሓ። ሕጂ’ውን ልክዕ ኣብ’ታ ማድሊን ዝሞተትላ መዓልቲ፡ ሕብሪ’ቲ ጻዕዳ ማርሞ መቓብር ኮሎኔል ናብ ሓመኹሽታይ ክቕየር ጀመረ። ሓላዊ’ቲ መቓብር ንስድራቤት ኮሎኔል ሓበረ። ንሶም’ውን ነቲ ማርሞ ዘዳለወ ትካል ብምጽዋዕ ተመራሪሖም ከዱ። ዋና’ቲ ትካል፡ እቲ ማርሞ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ኣየር ሕብሩ ክቕይር ከም ዘይክእል ሓበሮም። ብዛዕባ’ዚ እናተዘራረቡ እንከለዉ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ማርሞ ምስሊ እግሪ ክርእዩ ጀመሩ። ብዛዕባ’ቲ መርገም ኣኹል ኣፍልጦ ዝነበሮም ደቂ ኮሎኔል ባክ፡ ነቲ ማርሞ ተቐላጢፎም ብምቕያር ኣብ ቦታኡ ካልእ ማርሞ ገበሩ። ንሱ’ውን ኣብ ወርሓ ተመሳሳሊ ምስሊ እግሪ ማድሊን ተራእዮ። ሕጂ’ውን እቲ ማርሞ ብኻልእ ተተከአ። እቲ ምስሊ ግን ዳግማይ ተሰነደ። ክሳብ ሕጂ’ውን ንሓቅነት ማድሊን ክምስክር ተሰኒዱ ኣሎ።