ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፥ ነቲ ዩክሬናዊ ወተሃደር እናተሰየፈ ዘርኢ ቪድዮ ኣመልኪቱ ናብ መራሕቲ ዓለም ጻውዒት
ጌሩ።
"ኲሉ ሰብን መራሕቲን ግብረመልሲ ክህቡ ኣለዎም፡ እዚ ክርሳዕ እዩ ኢልኩም ክትጽበዩ የብልኩምን” ክብል ኣብ ዝዘርግሖ ናይ
ቪድዮ መልእኽቲ ገሊጹ።
ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን፥ ነዚ ብሩስያ ዝተፈጸመ ገበን ኲናት ክምርምሮ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ቪድዮ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ
ዝበለ ባይቶ ሩስያ–ክረምሊን፥ እዚ ቪድዮ ዝሰርሖ መን ምዃኑ ክጻረ ከም ዝደሊ ገሊጹ። እዚ ኣብ ወቕቲ ሳመር ብሞባይል
እተሳእለ ቪድዮ፥ ወተሃደራዊ ክዳን ዝወደየን ኣብ ቅልጽሙ ብጫ ጨርቂ ዝኣሰረን ወተሃደር ዩክሬይን፥ ኣብ ኣእጋሮም ጻዕዳ ጨርቂ
ብዝኣሰሩ ወተሃደራት ተታሒዙ እናተሰየፈ የርኢ።
እዚ ቪድዮ ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን–ጥቓ ከተማ ክረሚና- ዝተሳእለ እዩ ዝብል ርእይቶታት ብኦንላይን ቀሪቡ’ሎ። እቲ ቪድዮ
ዝርዝር ምድረ ገጽ ስለ ዘየርኢ፥ እዚ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ይዂን ልክዕ ግዜ ክረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።
ብዘይካዚ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክልተ እተሰየፉ ወተሃደራት ዩክሬይ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ምንባሩ ቢቢሲ ወሰኻ ጸብጺባ’ላ።