ለበዳ ኮሮና የስፋሕፍሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዝኣወጆ ዕጽዋ፡ ካብ ከተማ ሲድኒ ናብ ካልኦት ከተማታት እውን የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተገሊጹ።
ዝዓበየት ከተማ ምዃና ዝንገረላ ሲድኒ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ዕጽዋ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሲድኒ፡ ኣብዚ ዓመት ክሳብ 2500 ዝኾኑ ሰባት ብሕማም ኮሮና ከም እተታሕዙ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብታ ከተማ ሲድኒ እትርከበላ ኣውራጃ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ሎሚ ረቡዕ ጥራይ 177 ሰባት ብኮሮና ተታሒዞም ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ። በዚ ድማ እታ ከተማ ካብ ዓርቢ ጀሚራ ዕጽዋ ከተፍኲስ ምዃና ዝውጸኣቶ መግለጺ፡ ክትትግብሮ ዘይምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ግላዲስ በረጂክሊያን፡ ሓቢራ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሽመታ ዝግበር ምንቅስቓስ እውን ብሕጊ ክውሰን ምዃኑ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እዚ መምርሒ፡ እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ክሊ 10 ኪሎሚትር ጥራይ ክሕጸር ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጻ።