ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 942 ሰባት፡ ካብ ስረሖም ምስንባቶምን፡ እቶም ኣቐዲሞም ካብ ስርሖም ተሰናቢቶም ዝጸንሑ ሰባት ድማ ኣብ ካልእ ስራሓት ይቑጸሩ ምህላዎምን ጸብጻብ መዝገባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ። ስለዝኾነ ድማ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ከምቲ ዝነበሮ 9% ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ።
ቁጠባ ሽወደን፡ ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት፡ ቱስፉው ዝኾነ ምልክታት የርኢ ኣሎ ክብሉ ተንተንቲ ሓቢሮም። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ኣስታት 6000 ሰባት ካብ ስረሖም ክሰናበቱ ምዃኖም እኳ እንተተሓበሩ፡ እቲ ቁጽሪ፡ ካብቲ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ዝነበረ ብዝሒ ዝዋሓደ ብምዃኑ ምምሕያሽ ዘርኢ ዘሎ ይመስል ክብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጽዎ።
እቶም ኣብ መጨረሽታ እዋናት ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ሰባት፡ እዋናዊ ርክብ ምስ ዕዳጋታት ሽቕለት ስለዝህልዎም፡ ሓድሽ ስራሕ፡ ተቐላጢፎም ይረኽቡ ምህላዎም ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን፡ እቶም ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ሓደስቲ ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱን ተመኩሮ ስራሕ ዘለዎም ሰባትን ካብቶም ቀልጢፎም ስራሕ ዝረኽቡ እዮም ክትብል ሓላፊት ጨንፈር ትንታነ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣኒካ ሶንዲን፡ ምስ ተተ (TT) ኣብ ዝካየደቶ ርክብ ገሊጻ።
እቶም ስራሕ ንምርካብ ዝጽገሙን ዝሽገሩን ሰባት ድማ እቶም ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣቋሪጾም ዝጸንሑ፡ መንእሰያትን እቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም ክትብል፡ ሶንዲን፡ ብምውሳኽ ሓቢራ።