ዕዳጋ ስራሕ ሽወደን እናተዳኸመ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ይበራኸቱ ምህላኦም ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛት ኣመልኪቶም።
ኣብ ወርሒ መስከረም ስራሕ ኣልቦ ብምዃኖም ዝምዝገቡ ሰባት ብቚጽሪ ምውሳኾም ካብ ስራሕ ናይ ምፍናው ምልክታታት
ከኣ ይብርክት ምህላዉ ከይኣክል ኣስራሕቲ ዝወሓዱ ናይ ስራሕ መወዓውዒታት ይዝርግሑ ምህላዎም ገለ ካብዞም ነዚ ሃዋሁ
ዘጒልሑ ተርእዮታት እዮም። ይዂን’ምበር እቲ ምዝሕሓል ዛጊት ብተዛማዲ ቅልል ዝበለ እዩ ክትብል ተንታኒት ኣገልግሎት
ህዝባዊ ሽቕለት ኤሚል ፐርሰን ትገልጽ። ካብ ዜናታት ሽቕለት ከይወጻእና—ትማሊ ረቡዕ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ቤት
ጽሕፈት ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ብምእካብ ኣብ ሽወደን ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ ይዂን ንምሕዳስ ዝወጸ ሓድሽ ደረት ደሞዝ
ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም። ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ዜጋ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮነ ሰብ ኣብ ሽወደን ክሰርሕ ይዂን
ዝጸንሐ ፍቓድ ስርሑ ንምሕዳስ ብውሕዱ ደሞዙ 27,360 ክሮና ወይ ልዕሊኡ ክረክብ ክግደድ እዩ። እዚ ማለት ገለ ኣብ ሽወደን
ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰባት ኣብታ ሃገር ዝጸንሑሉ ግዜ ከብቅዕ እዩ።
“ነዚ ውሳነ ንቃወሞ ኣለና፥ ሰባት ኢና ብኸምዚ ኣገባብ ከም ጎሓፍ ክንድርበ ኣይግባእን” ክብል ራበያ ሊሱ ንሬድዮ ሽወደን
ገሊጹ’ሎ።