ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ብድምር፥ ልዕሊ 50 ቢልዮን ክሮና
መኽሰብ ረኺበን። ሃንድለስባንከን 8.8 ቢልዮን፥ ኖርዲያ 19.9 ቢልዮን፥ ኤስኢቢ 12.1 ቢልዮን ፥ ስዊድባንክ ኸኣ 11.4
ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ኣመዝጊበን ኣለዋ። ጠቕላላ መኸሰብ እዘን ባንካታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 50 ቢልዮን ክሮና
ኮይኑ፡ መዓልታዊ ብድምር 500 ሚልዮን ክሮና መኽሰብ ይረኽባ ምህላወን ዘመልክት እዩ። መኽሰበን መብዛሕትኡ ካብ ወሰኽ
ወለድ ዝምንጩ እዩ። ልቓሕ ንግድን ሃለኽትን ዝኸበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዕቋር ዝወሃብ ወለድ ግን ብተመሳሳሊ ናህሪ ክውስኽ
ኣይተራእየን–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።