ኣብ ማሊ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግብረሽበራውያን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ማሊ ዞባ ጋዋ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝወስድዎ ዘለዉ ጭካነ ዝመልኦ ምጒዳል ኣካላት ብትሪ ኮኒኑ። ክልተ ሲቪላውያን ብ ዕጡቓት ዳዕሽ ምስ ተታሕዙ ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ከም እተቘርጹ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “እዚ ተግባር ውርደተኛታት እዩ፥ ብትሪ ድማ ንዂንኖ። እዚ ግሁድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊን እዩ” ክብል ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ውድ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ ኣልቃስም ዋን ገሊጹ’ሎ። ኣብ 2012 ማሊ ብዕጡቓት ዳዕሽን ቱዓረቕን ኣብ ዝተወረትሉ እዋን በዞም ዕጡቓት ተመሳሳሊ ምጒዳል ኣካላት ሲቪላውያን ከም እትፈጸመ ይፍለጥ።