ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ብፍላይ እኳ ሩስያን ኣሜሪካን ብዛዕባ ምክያድ መጠን ሰፊሕ ክታበት ጸረ-ኮሮና ይዛረባ እኳ እንተሃለዋ፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ።
ኣፈኛ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ክታበት ግዜ ዝወስድ እዩ። ስለዚ እዚ ክታበት ክሳብ ክንደይ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ ክንፈልጥ ግዜ ክንዕድግ ከድልየና እዩ ኢላ።
እዚ ክታበት ሓንሳብ ምስተፈቕደ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝዝርጋሕ ክግበር ምዃኑ እታ ኣፈኛ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ ፐርስትሮም፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ኣብ ምፍላም ዝመጽእ ዓመት ክጅመር ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ዝኸተመቶ ስምምዓት ሽወደን ናይ 6 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ክትረክብ ምዃና’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ሽወደን፡ ምስ ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ መድሃኒት፡ ኣስትራ ዚኒካ፡ ውዕል ምፍርራማ ይዝከር።