ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብዛዕባ ሽወደን ዘውጸኦ መግለጺ መአረምታ ገይርሉ ኣሎ። ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ይውስኽ ኣሎ ክብል ንዘውጸኦ መግለጺ፡ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ዝተረጋገአ እዩ ዘሎ ክብል ከምዝኣረሞ ሬድዮ ሽውደን ሓቢሩ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንሽወደን ሓንቲ ካብተን “ዝበኣሰ ኩነታት ለበዳ ኮሮና” ዘለውን 11 ኤውሮፓውያን ሃገራት ኢላ ከምዝመደበታን ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንለበዳ ኮሮና ክቆጻጸሮ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ሽወደን ዘውጸኦ መግለጺ ዘይቅኑዕን ንጸብጻባት ብጌጋ ዝተረደአን እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ንጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ናይ መርመራታት ዓቕሙ ክብ ስለ ዘበሎ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብምዝያዱ እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከምዝኸደ ዝመስል ስእሊ ብምንጽባራቑ እቲ መግለጺ ከምዝወጸ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ ምጉዳል ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዝነበረ ሰባት ከም ኣወንታዊ ኣንፈት ዘለዎ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ይኹን እምበር መጠን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ልዑል እዩ ዘሎ ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ገሊጹ።
ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኹነታት ለበዳ ኮሮና ክቆጻጸር እኹል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ምስክርነቱ ኣስሚዑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝነበሩ ሕሙማት ዉሒዱ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ ሰባት ውሒዱ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ድማ ውን ውሒዱ ኣሎ ክብል ቲግኒል ሓቢሩ።