ሃገራት ወሽመጥን ኢራንን ዘለወን ወጥሪ ብምፍኳስ ኣብቲ ዞባ ሕውነታዊ ዝምድና ክፍጠረሉ ዝኽእል ኩነታት ንምስፋን: ኣብ ባቕዳድ ንኽጋብኣ ዒራቕ ጻውዒት ጌራ።
ኲናት የመን: ምፍራስ መንግስቲ ሊባኖስ ከምኡውን ቅልውላው ማይ እቲ ዞባ ኣብቲ ኣጀንዳ ክለዓሉ እዮም። ኣብዚ ጒባኤ: ናይ ጥንቲ ጸላእቲ ምዃነን ዝንገረለን ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ክዛተያ ምዃነን ምንጪታት ዒራቕ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ 2019: ኣብ መደበራት ነዳዲ ዘይቲ ስዑዲ ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ: ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዝነበረ ዝምድና ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ምውራዱ ይፍለጥ። በዚ መጥቃዕቲ ፍርቂ ፍርያት ነዳዲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ምዃኑን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ በዚ መጥቃዕቲ ንኢራን ተሓታቲት ምግባሩን ዝዝከር እዩ። ኢራን ኣብዚ ጒዳይ ኢድ ከም ዘይብላ ገሊጻ እያ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን: ኢብራሂም ራኢሲ: ነዚ ዕድመ ብምቕባል ናብ ባቕዳድ ክኸይድ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዋ ዒራቕ ገሊጻ’ላ። ኣብዚ ጒባኤ ሰላም: ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብ: ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ክሳተፋ እየን።
እዚ ጒባኤ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ: ኣብ ምምጻእ ሰላም: ተስፋ ዝንበረሉ እዩ ክብል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ: ሙስጣፋ ኣል ኻዲሚ: ቀረባ ዝኾነ ምንጪ ገሊጹ’ሎ።