ብሰኑይ ዝተጀመረ ምርጫ ኢትዮጵያ ይቕጽል እኳ እንተሎ ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዘለዉ ኣህዛብ ኣብዚ ምርጫ ኣይክካትቱን እዮም። ዛጊት 38 ሚልዮን ህዝቢ ንምርጫ ተመዝጊቡ ኣሎ፥ ካልኦት ግና ብምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢኦም ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ፥ ብሄራዊ ጎነጽን ሎጂስቲካዊ ሽግራትን ክሳብ 6 መስከረም ክጽበዩ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ።
ነታ ብ 6 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ባይቶ ቤት ምኽሪ ህዝቢ 38 ተወከልቲ ዘለዉዋ ትግራይ ዝኾነ ናይ ምርጫ መዓልቲ ኣይተወሰነላን።
እዚ እናኾነ እቲ ድምጺ ምርጫ ተቘጺሩ እኳ እንተሎ ክሳብ ምንጋር ውጽኢት ክደናጐ እዩ።
ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ” ኲሎም ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ቀዳማይ ናጻን ፍትሓዊን ምርጫ መራሕቶም ክመርጹ እዮም” ኢሉሎ።