ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት መንግስቲን ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደንን ዘውጽእዎ፥ ፍቓድ ስራሕ ንዝረኸቡ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት መጠን
ደሞዝ ናይ ምውሳኽ ውጥን፡ ካብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እንተጀሚሩ፡ ኣብ ኣታዊ ቀረጽ ሽወደን ናይ 5
ቢልዮን ክሮና ምጒዳል ከስዕብ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ውጥን ወሰኽ ደሞዝ ብመሰረት ውዕል ቲዶ ብማእከላይ ጽፍሒ እንተ
ተተግቢሩ፥ እንታይ ሳዕቤን ከምጽእ ከም ዝኽእል ክመራመር ምጽንሑ፥ ኣብ ጒዳይ ስደተኛታት ሊበራላዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ
ዝንገረሉ “ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን” ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ 2022 ንዝተዋህቡ ኣስታት 37 ሽሕ ፍቓድ ስራሕ ስደተኛታት ድሕሪ ምምርማር፥ ኣማኻሪ ስትራቴጂ ቊጠባ ብሕቲ፡
ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እዚ ጸብጻብ ዝኾነ ዮናስ ኦህሊን ንማእከላይ ደረጃ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታው
ፍቓድ ስርሖም ዝሕደሰሎም ክውሕዱ ከም ዝኽእሉ ደምዲሙ’ሎ። “በዚ እንድሕሪ ተኸይዱ ፍቓድ ሽቕለት ስደተኛታት ጨሪሱ
ደው ክብል ይኽእል እዩ። ሓደ ካብዚ ሳዕቤናት ድማ ክኢላታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ IT ፍቓድ ስራሕ ክኽልከሉ ዝገብር ምዃኑ እዩ”
ክብል ኣጠንቂቑ።
ነዚ ውጥን ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ኮይና ዘቕረበት ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነት፡ ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር
ስተነጋድ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ዕላማ እዚ ውጥን “ምስ ንኡስ ሞያታት እተተሓሓዘ ገበናዊ ንጥፈታት
ንምጒዳል” ተባሂሉ ዝወጸ ምዃኑ ምጥቃሳ ዝዝከር እዩ።