ውድድራ ቻምፒዮን ሊግ ኤውሮፓ 2019/20 ሎሚ ምሸት ብዝካየድ ሸሞንተ ውድድራት ብወግዒ ክጅመር እዩ። ካብ ናይ ሎሚ ምሸት ዝካየድ ተሃራፊ ግጥማት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ን ነይማር ብመቕጻዕቲ፣ ን ሚባፐን ካቫንን ብ መጉዳእቲ ከሲራቶም ብምህላዋን ብ ኣርጀንቲናውያን ዲ ማርያን ኢካርድን ዝቕለስ መስመር መጥቃዕታ እንታይ ውጽኢት ሒዛ ካብ ማድሪድ ትምለስ ትጽቢት ቡዙሓት ኮይኑ ርያል ማድርድ ብወገና ካብ ናይ ዓሚ ብ ክለብ ኣያክስ ዝወረዳ ስዕረት እንታይ ጥንቓቐ ትገብር ሎሚ ምሸት ዝምልሶ ክኸውን እዩ።
ካልእ ተሃራፊ ናይ ሎሚ ምሸት ክለብ ባርሶሎና ናብ ጀርመን ተጓዒዛ ምስ ክለብ ዶርትማን ትገብሮ ጸወታ ኮይኑ መሲ ካብ መጉዳእቱ ተመሊሱ ልምምድ ብምግባሩ ዓቢ እፎይታ ኮይንዋ ኣብ ዘሎ፣ ክለብ ዶርትማን ብመንእሰያት ተጻወቲ ተተኽቲካ ተርእዮ ዘላ መሳጢ ጸወታ ን ክለብ ባርሰሎና ቀሊል ውድድር ከምዘየጽበያ ዘመላኽት እዩ። ኣሰላጣኒ እዛ ክለብ ቫልቫርደ ብወገኑ ንምኽልኻል ጋንትኡ ዝያዳ ትኹረት ክገብሩ እዩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምኽንያቱ እዚ ናይ ሞት ምድብ ሓንሳብ ነጥቢ ተጥፊእካ ኣብ ሓደጋ ምውዳቅ ስለዝኾነ እዩ።
ካልእ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ቻምፕዮን ክለብ ሊቨርፑል ክብራ ንምዕቃብ ናብ ኢጣልያ ተጓዒዛ ምስ ክለብ ናፖሊ ትገብሮ ጸወታ ክኸውን ከሎ፣ ክለብ ሊቨርፑል እቲ ዝሓየለ መስመር መጥቃዕቲ ኣብ መድረኽ ኤውሮፓ ሃኒጻትሉ ኣብ ዘላ ግዜ ነዚ ጸወታ ብቀሊሉ ክትዕወተሉ ትጽቢት ቡዙሓት እዩ ዘሎ። እንተኾነ ኣከታቲላ ብምዕዋት ነቲ ብ ክለብ ርያል ማድሪድ ክትመዓራረዮ ትክእል እያ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን ብዝኾነ ጸወታ ሎሚ ምሸት ዝምስክሮ ዝኸውን ሓቂ ክንዕዘቦ ኢና።
ካልእ ክለብ ቸልሲ ምስ ክለብ ቫለንሽያ ትገብሮ ጸወታ ተሓዊስዎ፣ ኢንተ ሚላን ምስ ክለብ ስላቭያ ፕራግ፣ልዮን ምስ ሴንት ፒትስፐርግ፣በነፊካ ምስ ራዘንበልስፖርት ለፔዝ ከምእውን ኣያክስ ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ሊለ ክህልው እዩ።