ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓርቢ መዓልቲ ዝተፈጸመ ህልቂት ናይ 35 ሰላማውያን ሰባት ኣመልኪቱ፡ መንግስቲ ሚያንማር መርመራ ንኽገብር ኣታሓሳሲቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ሰብ መዚ ሚያንማር፡ ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪቶም ጽዑቕን ተኣማኒን ዝኾነ መርመራ ብህጹጽ ንኸካይዱ ይጽውዕ” ክብል ዋና ሴክሬታሪ (Secretary of State) ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማርቲን ግሪፊትስ፡ ኣታሓሳሲቡ።
ግሪፊትስ ወሲኹ’ውን፡ ክልተ ናይ ’ሰይቭ ዘ ቺልድረን’ (Save the Children) ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝኾኑ ሰባት ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ስእልታት ከምዝሕብርዎ ‘ካያህ’ ኣብ ጥቓ ዝባሃል ግዝኣት እትርከብ ‘ሞ ሱ’ እትባሃል ቁሸት፡ ኣብ መንገዲ ዝተቓጸላ ተሽከርከርቲ ከምዝተራእያ ተፈሊጡ’ሎ። ዝሓለፈ ቐዳም፡ ኣባል ናይ ሓደ PDF ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ወታሃደራዊ ጉጅለ፡ ክልተ ናይ ጽዕነትን ሓንቲ ናይ ገዛ መኪናን ከምዝረኸቡ ን AFP ሓቢሩ። እዚ ዘጋጠመ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናይ መንግስቲ፡ ሁፑርሶ (Hpruso) ኣብ ዝባሃል ቦታ፡ ብርክት ዝበላ መካይን ደው ከም ዘበሉወን ድሕሪ ምስምዖም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ካብተን ናይ ጽዕነት መካይን፡ እተን ክልተ ኣስታት 30 ዝኾኑ ዝተቓጸለ ሬሳታት ጽዒነን ምንባረን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ናይ ሚያንማር ወታሃደራዊ ጁንታ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝተዛረቦ ጉዳይ እኳ እንተዘየለ ፡ እቲ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ሓፋሽ ግና ብርክት ዝበሉ “ዕጡቓት ገበርቲ-ራዕዲ” ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ከምዝጸብጸበ ተፈሊጡ’ሎ።