ዋጋታት መግቢ፡ መስተ፡ ሽጋራን ሃለኽቲ ኣቕሑን ኣብ ሽወደን ምስ ማእከላይ ገምጋም ዋጋታት ናይተን ዝተረፋ 27 ኤውሮፓውያን ሃገራት ክወዳደር እንከሎ ብ20% ከም ዝልዕል ተገሊጹ። ዋጋታት ሃገር ዴኒማርክ እቲ ዝኸበረ ኮይኑ ብ40% ልዕሊ ማእከላይ ገምጋም ዋጋታት ናይተን ዝተረፋ ኤውሮፓውያን ሃገራት ምዃኑ ይንገር።
ዋጋታት ንብረትን ኣገልግሎትን ኣብ ቡልጋርያን ሮማንያን ብተኸታታሊ ብ47% ን ብ45% ትሕቲ ማእከላይ ገምጋም ዋጋታት ናይተን ዝተረፋ ኤውሮፓውያን ሃገራት እዩ።
እዚ ዝተኻየደ ዳህሳስ ዋጋታት፡ ንኣስታት 2000 ዓይነታት ሃለኽቲ ንብረትን ኣገልግሎታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ምንባሩን እቲ ዋጋታት ናይ ዓመተ 2019 ምዃኑ ተሓቢሩ።
ዋጋታት ኤውሮፓዊት ሃገር ምስ ማእከላይ ገምጋም ዋጋታት ኤውሮፓውያን ሃገራት ብምንጽጻር፡
ዋጋታት መግቢ ኣብ፡-
- ዴኒማርክ ብ 29% ዝኸበረ
- ሎክሰምበርግን ኣውስትርያን ብ24% ዝኸበረ
- ሽወደን ብ 14% ዝኸበረ
- ቡልጋርያ ብ 22% ዝሓሰረ
- ፖላንድ ብ 30% ዝሓሰረ
- ሮማንያ ብ 34% ዝሓሰረ
ዋጋታት ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ኣብ፦
- ኣየርላንድ ብ 88% ዝኸበረ
- ፊንላንድ ብ 57% ዝኸበረ
- ሽወደን ብ 31% ዝኸበረ
- ሮማንያን ሃንጋሪን ብ 25% ዝሓሰረ
- ፖላንድ ብ 26% ዝሓሰረ
- ቡልጋርያ ብ 38% ዝሓሰረ
ዋጋታት ሆቴላትን ቤት መግብን ኣብ፦
- ዴኒማርክ ብ 56% ዝኸበረ
- ሽወደንን ፊንላንድን ብ 33% ዝኸበረ
- ሃንጋሪ ብ 38% ዝሓሰረ
- ሮማንያ ብ 46% ዝሓሰረ
- ቡልጋርያ ብ 55% ዝሓሰረ
ዋጋታት ክዳውንቲ ኣብ፦
- ዴኒማርክ ብ 32% ዝኸበረ
- ሽወደን ብ 18% ዝኸበረ
- ፊንላንድ ብ 15% ዝኸበረ
- ሮማንያ ብ 18% ዝሓሰረ
- ሃንጋሪ ብ 19% ዝሓሰረ
- ቡልጋርያ ብ 21% ዝሓሰረ
ዋጋታት ኤሌክሮኒክ ኣቕሑ ኣብ፦
- ፈረንሳይ ብ 11% ዝኸበረ
- ማልታ ብ 10% ዝኸበረ
- ፖርቱጋልን ሽወደንን ብ 8.5% ዝኸበረ
- ቼክ ሪፓፕሊክ ብ 7% ዝሓሰረ
- ቡልጋርያ ብ 8% ዝሓሰረ
- ፖላንድ ብ 9% ዝሓሰረ