ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ዋጋ ኣባይቲ ምስ ናይ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብምንጽጻር ብ 3 ሚእታዊት ምዕባዩ ተገሊጹ። ካብ ወርሓት ሓምለ-መስከረም 2018 ካብ ዝነበረ ዋጋ ምውሳኹ እውን ማእከለ ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ 20 ኣውራጃታት ምውሳኹ ተለልዩ’ሎ።
ዓመታዊ ካብ 21 ኣውራጃታት ሽወደን ኣብ 17 ወሰኽ ዋጋ ከም እተራእየን ኣብ 3 ምጒዳሉን ኣብ ዝተረፋ ግና ከም ዘለዎ ምቕጻሉን ከኣ ተመልኪቱ። እዚ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ን ጥንጡናትን ሓውሲ ጥንጡናትን ኣባይቲ ቪላ ይኹን ሰርቪስ ዝምልከት እዩ።