ዋንጫ ኤውሮፓ ትማሊ ምሸት ፈሊሙ ። ኣርሰናል ምስ ራፒድ ቬና ዘካየደቶ ጸወታ 2 ብ 1 ተዓዊታትሉ። ኣርሰናል ካብ ኣትለቲኮ ዘምጸኣቶ ቶማስ ፓርቴይ ምሉእ ጸወታ ተጻዊቱ ክርእይዎ ባህጊ ደገፍቲ ኣርሰናልን እዩ ኔሩ። ከም ትጽቢቶም ድማ ፓርቴይ ንናይ ቀደም ተጻዋታዮም ፓትሪክ ቬራ ዘዘኻኸሮም ክመስል ኣዝዩ ድንቂ ብቅዓት ኣንጸባሪቁ። ካብ ብዙሓት ተንተንቲ ስፖርት ድማ ውዱእ ኣከፋፋሊ፡ ኣብ መጀምርያ ጸወትኡ ልዑል ብቕዓት ዘርኣየ ተጻወታይ ብምባል ናእዳታት ረኺቡ ። ብፍላይ ከኣ ንቅድሚት ኩዕሶ ሒዝካ ብፍጥነት ኣብ ኣጥቃዕቲ ምብጻሕ ብዘለዎ ክእለት ፍሉይ ጠመተ ረኺቡ። ፓርቴይ ምስ ብራዚላዊ ሓድሽ ተኸላካላይ ጋብሪኤል ብሙኻን መጻኢት ኣርሰናል ክህልዋ ዝኽእል ኣቃውማ ብሩህ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ይእመነሎም። እቲ ካብ ፕሪመር ሊግ ዝጅመር ሸቶ ዘየመዝገበ ዘሎ ኣጥቓዒኣ፡ ኦባምያንግ፡ ኣዛራቢ ኮይኑ ድሕሪ ምቕናይ፡ ትማሊ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋቡ፡ ንዝቐነዮ ጸቕጢ ዘጉደለ ይመስል። ኣብዚ ጸወታ ክንቐፍ ዝግብኦ ተጻዋታይ፡ ሓላዊ ልዳት በርናንርድ ሌኖ እዩ። ብጉድለቱ ሓንቲ ሸቶ ክትምዝቦ እንከላ፡ ክልተ ግዜ ተመሳሰልቲ ጉድለታት ብምፍጻሙ፡ ንደገፍቲ ኣርሰናል ኣቆጢዑ ኣምስዩ። ናብ ኣስቶንቪላ ዘፋነውዎ ሓላው ልዳቶም ነበር ማርቲነዝ ከም ዝናፍቑ እውን ጌርዎም። መስዑድ ኦዚል፡ ናይ’ዚ ቕንያት’ዚ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ ተጻዋታይ እዩ፡ ንደቂ ጋንትኡ ከኣ ኣብ መስኮት ተለቪዥን ኮይኑ ከም ዝድግፎምን ኣርሰናል ከኣ 4 ብ 1 ክዕወቱ እዮም ክብል ድማ ቕድሚ ጸወታ ግምታቱ ሂቡ ። ገለ ናይ ተንተንቲ ቴለቭጅናት ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ትንታነ ስፖርት ክህብ ዕድመ ኣቕሪበናሉ ኣሎዋ።
ብ ኣሰልጣኒ፡ ሆዜ ሞሪኖ፡ ትእለ ዘላ ክለብ ቶተንሃም ምስ ላስክ ተጻዊታ 3 ብ 0 ክትዕወት እንከላ፡ ሌስተር ሲቲ ምስ ንዞርያ ሎሃንሰክያ ዝገበረቶ ጸወታ ብተመሳሳሊ ውጽኢት 3 ብ 0 ተዓዊታ። ናብ ስኮትላንድ ተጓዒዛ ኣንጻር ሰልቲክ ዝገጠመት ኤሲሚላን ከኣ 3 ብ 1 ተዓዊታ። ካልእ ብ ስቴቨን ጀራርድ ትስልጥን ዘላ ስኮትላንዳዊት ክለብ ሬንጀርስ ናብ በልጅማዊት ጋንታ ስታንዳርድ ሊግ ተጓዒዛ 2 ብ 1 ተዓዊታ ኣላ።