ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዕጡቓት ኣፍጋኒስታን እንድሕሪ ኣህጒራዊ ሰራዊት ኣብቲ ዝተወሰነሉ ግዜ (ማለት መወዳእታ ግንቦት) ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጽእ ዝደልዩ ኮይኖም ነቲ ኣብ 2020 ምስ ኣመሪካ ዝኣተዉዎ ውዕል ሰላም ከኽብሩ ይግብኦም ኢሉ። ንሱ ሰሙን ቅድሚ ጒባኤ ሚኒስተራት ምክልኻል ኔቶ እዩ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ብራስለስ ጋዜጣዊ ዋዕላ ጌሩ። ዝመጽእ ሰሙን ነቲ ብ 29 ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣመሪካን ኣፍጋኒስታንን ኣመልኪቶም ኣባላት ምክልኻል ኔቶ ብዛዕባ ህላዌ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቶም ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እንተኾነ ግና ዋና ጸሓፊ ኔቶ እዚ ቅልጡፍ ምውጻእ ሰራዊት ኔቶ ዝበሃል ዘሎ ክጸንሕ ይግባእ- ድሕሪ ምባል ንኣፍጋኒስታን ከምዚ ዘላቶ እንተገዲፍናያ መናሃርያ ኣህጒራውያን ግብረሽበራውያን ክትከውን እያ ኢሉ። “ጣሊባን ንዝኣተዉዎ መብጽዓታት ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ኣህጒራዊ ግብረሽበራ ኪዳን ምብታኽን ሓገዛት ምግባርን ዝብል ውዕል ምትግባር ከድልዮም እዩ” ኢሉ። ስለዚ ህላዌና ይዂን ምውጻእና ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን እዚ ውዕላት ጥራይ ዝምርኮስ እዩ። ርግጽ’ዩ ካብ ኣባላት ኔቶ ነዚ ህላዌና ከናውሖ ዝምነ የለን፥ እንተኾነ ግና እዚ ብጭቡጥ ከየረጋገጽና ብሃታሃታ ካብዚ ክንወጽእ ኣይኮንናን” ክብል ተዛሪቡ። ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዛጊት 2400 ሰራዊትን ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላርን ከም ዘኽሰራ ይግለጽ።