ዴኒማርክ ነቶም ካብ ውሱን ከባቢታ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ጥራይ ከተአንግድ ምዃና ኣፍሊጣ። እቶም በጻሕቲ፡ ነበርቲ ናይ ስኮና፡ ሶርምላንድ፡ ቨስተርቡትን፡ ሃላንድን ብሊኪንጋን ክኾኑ ኣለዎም ትብል። ነበርቲ ናይዘን ዝተጠቕሳ ከባቢታት ካብ ዕለት 27/06/2020 ጀሚሮም ንዴኒማርክ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ መርበብ ሓበሬታ ዴኒማርክ ገሊጸን ክብል TT ሓቢሩ።
ናብ ዴኒማርክ ንምብጻሕ ክማላእ ዝግባእ ቅጥዒ ኣሎ። እዚ ቅጥዒ’ዚ ንብምሉአን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ዓዲ እንግሊዝን ዝምልከት ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዴኒማርክ ኣብ ኤሌክሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ።
ሓንቲ ሃገር መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ሰሙናዊ ብገምጋም 20 ካብ 100 ሽሕ ሰባት እንተድኣ ሃልይዋ ነበርቲ’ታ ሃገር ንዴኒማርክ ክበጽሑ ከምእተፍቅድ ሓቢራ።
እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 30 እንተድኣ ኮይኑ ግን ብመሰረት ቅጥዕታት ዴኒማርክ “ናይ ውሸባ ሃገር” ከም ትበሃል ኣፍሊጣ። ብመሰረት ቅጥዕታት ዴኒማርክ፡ ሃገረ ሽወደን ምስ “ናይ ውሸባ ሃገር” ስለ ትምደብ ነበርታ ናብ ዴኒማርክ ክኣትዉ ኣይፍቀድን። እንተኾነ እዘን ውሱናት ከባቢታት ነቲ ቅጥዒ ዘማልኣ ብምዃነን ብንጽል ክረኣያ ክኢለን።
ካብዘን ከባቢታት ናብ ዴኒማርክ ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ ናይ ነባርነት መረጋገጺ ክህልዎም ግዴታ ምዃኑ ዴኒማርክ ሓቢራ ኣላ።
ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብተን ናብ ዴኒማርክ ዝዳወባ ከባቢታት ሽወደን እንተወሲኹ፡ እቶም ናብ ዴኒማርክ ክበጽሑ ዝሓስቡ ነበርቲ፡ ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ሕክምናዊ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ክግደዱ እዮም።