ወዱ ንመዋቲ ውልቀ መላኺ ሊብያ፡ ሙዓመር ቐዛፊ ዝኾነ፡ ሳዕዲ ቐዛፊ፡ ካብ ማእስርቲ ከም እተፈትሐ ንምንጪታት ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ብምጥቃስ AFP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሳዕዲ፡ ድሕሪ ምፍታሑ ናብ ቱርኪ ከም ዝገሸ መራኸቢ ብዙሃን ሊብያ ገሊጸን ኣለዋ። ሳዕዲ ኣብ 2011 ኣብ ትርቡሊ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ገበን ፈጺምካ፥ ከምኡ’ውን ኣብ 2005 ንሊብያዊ ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ፡ በሺር ኣል-ሪያኒ፡ ከም ዝቕተል ጌርካ ብዝብሉ ክስታት እዩ ተኣሲሩ ጸኒሑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሚያዝያ 2018፡ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ክሲ ቅትለት ሪያኒ ነጻ ከምዝገበሮ ይዝከር።
48 ዓመት ዝዕድሜኡ፡ ሳዕዲ፡ ብዕንደራን ሸብዳዕዳዕን ዝመልኦ ህይወቱ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
ሳዕዲ፡ ኣብ ውድድር Serie A፡ ምስ ኢጣልያውያን ክለባት ፔሩጅያ (Perugia)፡ ኡዲነዚ (Udinese) ከምኡ’ውን ሳምፕዶርያ (Sampdoria) ተጸንቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ምስተን ቀዳሞት ክልተ ክለባት ጥራይ ንሒደት ደቓይቕ ከምዝተጻወተ ይዝከር። ብዘይካ’ዚ፡ ሳዕዲ፡ ሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ሊብያ ከምኡውን ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ እታ ሃገር ኮይኑ ይነጥፍ ምንባሩ ጸብጻባት’ታ ሃገር ይሕብሩ።
ኣብ 2011 ፡ ሳዕዲ፡ ናይ ሙዓመር ቐዛፊ ፍሉያት ሓይልታት፡ ከም ቀንዲ ኣዛዚ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣቦኡ ካብ ስልጣን ምስ ተዓልወ፡ ናብ ሃገረ ኒጀር ሃዲሙ ከምዝኸደን፡ እንተኾነ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ናብ ሊብያ ከም እተስተለመ ይፍለጥ።