ቤት ፍርዲ ኦስሎ ካውንቲ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝኾነ ሜታ፡ ናብ
ተጠቀምቱ መወዓውዒታት ንምዝርጋሕ ውልቃዊ መረዳእታ ምጥቃም ክሳብ ዘቋርጽ፡ መዓልታዊ መቕጻዕቲ ክኸፍል ብሰበስልጣን
ኖርወይ ንዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣጽዲቑ። Behavioural marketing መሰል ብሕታዊነት ተጠቀምቲ ዝጥሕስን ከምኡውን
ዘየድሊ ምክትታል ዝገብር እዩ፡ ክብሉ እቶም ሰብመዚ ይገልጹ። ሓላፊ በዓል መዚ ሓለዋ መረዳእታ ኖርወይ ላይን ኮል፡ “ብውሳነ
ቤት ፍርድን ውጽኢቱን ኣዚና ሕጉሳት ኢና፥ እዚ ንመሰል ሓለዋ ዳታ ውልቀሰባት ዓቢ ዓወት’ዩ” ኢሉ።
እቲ ንመዓልቲ ሓደ ሚልዮን ክሮና (ኣስታት 100 ሽሕ ዶላር) ዝግመት መቕጻዕቲ፥ ካብ 14 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ
ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ቤት ፍርዲ ኦስሎ ንሜታ 235,200 ክሮና ወጻኢታት ቤት ፍርዲ ክኸፍል እውን ኣዚዙ’ዩ ክብል፥ ቤት
ጽሕፈት ዜና ኤንቲቢ ጸብጺቡ’ሎ። ሜታ ብሰንኪ ሕጋውነት ዕዳጋኡ ካልእ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ክሳብ ዝፍታሕ፥ ነቲ መቕጻዕቲ ደው
ከብሎ ፈቲኑ ነይሩ። ቤት ፍርዲ ኦስሎ ግን፡ ሰበስልጣን ኖርወይ ንሜታ ንምቕጻዕ ዝወሰድዎ ውሳነ ቅኑዕ ምዃኑን፡ ነቲ መዓልታዊ
ዝኽፈል መቕጻዕቲ ዝእግድ ምኽንያት ከምዘየለን ብምጥቃስ ወሳነኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ሜታ ብመንገዲ ስሙ ዘይተገልጸ ኣፈኛ
ኣቢሉ ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (ኤን.ኣር.ኬ) መልሲ ሂቡ’ሎ። ሜታ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ኦስሎ “ተስፋ ከም ዝቖረጸ”
እንተኾነ ግና “እንታይ ከም ዝገብር ክንግምግም” ምዃኑ ገሊጹ። ሜታ ብተወሳኺ ነቲ ሰበስልጣን ኖርወይ ዝወሰድዎ ስጉምቲ
ብዝምልከት ምምሕዳራዊ ጥርዓናት ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ ንሳቶም ብግዲኦም “ነቲ ጉዳይ ናብ ቦርድ ሓለዋ መረዳእታ ኤውሮጳ ንምቕራብ
ይሓስቡ” ምህላዎም ሓቢሮም ኣለዉ።