Källa BBC TIGRINJA
ስለያ ኣመሪካ፡ ፕሬዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንዝነውሐ ኲናት ይዳሎ ከምዘሎን፡ ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን እንተተዓወተት’ውን እቲ ግጭት ደው ከምዘይብል ኣጠንቂቑ።
እዚ መጠንቀቕታ ዝወሃብ ዘሎ ሩስያ ንምብራቕ ዩክረይን ንምቁጽጻር ከቢድ ኲናት ተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ።
ሞስኮ፡ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን – ኪቭ ንምቁጽጻር ትገብሮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ጸቕጢ ክትዕወተሉ ብዘይምኽኣላ፡ ሰራዊታ ዞባ ዶንባስ ንክቆጻጸሩ ትኹረት ገይራ እያ።
እንተኾነ ግና፡ ሓይልታታ ብዙሕ ክግስግሱ ከምዘይከኣሉ ትካል ስለያ ኣመሪካ ገሊጹ።
ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ኣቭሪል ሃነስ ንኮሚቴ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ፑቲን “ኪንዮ ዶንባስ ዝሓዞ ሸቶ ንምዕዋት” ድልየታት ከምዘለዎ እንተኾነ “ኣብ ሞንጎ ባህጉን ህልዊ ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያን ዘይምምጥጣን” ኣሎ ክብል ተዛሪባ።
ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ንዩክሬን ዝገብሩዎ ድጋፍ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋታት፡ ሕጽረት መግብን ወሰኽ ዋጋ ጸዓትን ክደክም ይኽእል’ዩ ዝብል ትጽቢት ክህለዎ ከም ዝኽእል’ውን ገሊጻ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ኲናት ብዝቐጸለ ቑጽሪ ፑቲን “ዝያዳ ዝበርትዐ መገድታት” ከምጽእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።