Källa BBC TIGRINJA
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ንምዝርራብ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ።
ሩስያ ንልኡላውነት ዩክረይን ምግሃሳ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ’ዩ ዝበለ ጉተረዝ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዑ’ሎ።
ፑቲን፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብማንዛ ክቕጽል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ገለ ፍታሕ ከምጽእ ተስፋ ከምዝገብር ምስ ጉተረዝ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ተዛሪቡ።
ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኣብ ዩክረይን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ተዛሪቡ። ኣቐዲሙ’ውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ተራኺቡ ነይሩ።