ቱርኪ፡ ኣባልነት ሽወደን ናብ NATO ንኽትቅበል ኣብ ዝግበር ዘሎ ልዝብ፡ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኲርዳውያን ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎም፡ ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ተወላዲ-ኲርድ ከምኡ’ውን ወሃብ ህዝባዊ ርእይቶ፡ ኩርዶ ባክሲ ገሊጹ። መንግስቲ ቱርኪ፡ ሽወደን ኣሕሊፋ ክትህቦም ዝደልዮም ዝርዝር ኣስማት ኲርዳውያን ምስ ምውጽኡ፡ ብዙሓት ኣብታ ሃገር ዕቚባ ሓቲቶም ዝነብሩ ተወለድቲ ዓሌት ኲርድ ተሻቒሎም ኣለዉ–ክብል ኣክሲ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና፡ ኲርዳውያን ከም ቀይሕ መስመር ዝርእይዎ፡ ሽወደን ነቲ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ኲርድ (YPG) ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ክትቆጽሮ፡ ብ ቱርኪ ዝግበር ዘሎ ድፍኢት እዩ፡ ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።.